Author - Staff

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚኣቶም፡ 4 ኣብ ኣስመራ፣ 4 ኣብ ዞባ ደቡብ – 2 ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ሓደ ኣብ ጸሮና፡ ሓደ ኣብ ሰገነይቲ ተወሺቦም...

ምም/ከባቢ ፋንኮ፡ ፌስኮን ገርሰትን ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ረኺበን

ኮርፖረሽን ‘ኤሪቴል’ ኣብ ከባቢ ኣለቡ ብዝተኸሎ ሓድሽ መሳለጥያ መራኸቢታት፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሃይኮታን ጎልጅን ዝርከባ ምምሕዳራት ከባቢ ፋንኮ፡ ፌስኮን ገርሰትን፡ ካብ 15 ሓምለ ጀሚረን – ተጠቀምቲ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ...

ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ብልዑል መዓርግ ተባዒሉ

ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ናይ 1442 ሂጅርያ፡ ትማሊ 20 ሓምለ 2021 ብክብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ። ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣልኣድሓ፡ ብመሰረት ቅጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ‘ኮቪድ-19’፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ቦታ ዝግበር ዝነበረ ስነ-ስርዓትን ሰላትን ተሪፉ፡ በብከባቢኡ ኣብ...

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ 8 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ወዲ 87 ዓመት ኣቦ፡ ብሞት...

ደቀምሓረ – በረድን ህቦብላን ዝተሓወሶ ዝናብ ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ዓድታት ኮርባርያን ኣድግናን – ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ብ6 ሓምለ ዝወቕዐ በረድን ህቦብላን ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ትካላት፡ ጥሪትን ሕርሻን ጉድኣት ኣውሪዱ። በቲ ሓደጋ፡ ኣብ ኮርባርያ – ህንጻን ኣግራብን ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ናቕፋና...

ፎሮ – ሕብረተ-ሰብ ሌላኡ ምስ ትካላት ጥዕና ክብ ኢሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ቁጽሪ’ተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝገላገላ ነብሰ-ጾራት ብዕጽፊ ከምዝዓበየ ተገሊጹ። ሓላፊ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ትካላት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ነርስ መሓሪ ቃልኣብ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ፎሮ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ብምህናጹ፡ ኣብ 2018...

ኮሌጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ 248 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኮሌጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ፡ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘምሃሮም 66 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 248 ተመሃሮ፡ ትማሊ 8 ሓምለ ብዲፕሎማ ድሕረምረቓ፡ ቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ካብ’ዚኦም እቶም 130 ብመዓርግ ዲፕሎማ ድሕረ-ምረቓ፣ 114 ብቐዳማይ ዲግሪ፣...

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ 5 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 39 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚኣቶም፡ 22 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ኣብ...

ተራእምኒ – ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ ዕንወት ኣውሪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ምምሕዳር ከባቢ ተራእምኒ፡ ብ3 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወቕዐ ንፋስን በረድን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ንብረትን ሃብቲ ገረብን ዕንወት ኣውሪዱ። ብመሰረት ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ...

ኣፍዓበት – ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ጨቓዊት ተዓዲሉ

ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ንጽጉማት ዜጋታትን ኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮን ጨቓዊት ዓዲሉ። ኣባል’ቲ ቤት-ጽሕፈት መንእሰይ ማሕሙድ ዓብዱላሂ፡ እተን 2,100 ጨቓዊት ብስማዊ ክፍሊት ንጽጉማት ዜጋታት፣ 900 ድማ ንዝተጣየሳ ደቂ ኣንስትዮ...

Login

Categories