ኮሌጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ፡ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘምሃሮም 66 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 248 ተመሃሮ፡ ትማሊ 8 ሓምለ ብዲፕሎማ ድሕረምረቓ፡ ቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ካብ’ዚኦም እቶም 130 ብመዓርግ ዲፕሎማ ድሕረ-ምረቓ፣ 114 ብቐዳማይ ዲግሪ፣ ኣርባዕተ ድማ ብዲፕሎም እዮም ትምህርቶም ዛዚሞም።

ብውሱን ተሳትፎን ቅጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ብዘማልአ ኣገባብን፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮሌጅ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ዲን ኮሌጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ ዶ/ር ዮናስ መስፍን – 15 ብዓውዲ ምሕደራ፣ 32 ብስነልቦና፣ 42 ብምምህርና ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት፣ 25 ብቋንቋ እንግሊዝ፣ 17 ብሕሳብ፣ 17 ብባይሎጂ፣ 26 ብኬሚስትሪ፣ 8 ብፊዚክስ፣ 65 ብምምህርና ስነ-ፍልጠት፣ ሓደ ድማ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም እተመረቑ ገሊጹ።

እቲ ኮሌጅ፡ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ናይ ድሕረ-ምረቓ ስልጠናታት ኣድሂቡ ክነጥፍ ከምዝጸንሐ፣ በዚ ድማ ቀረብ ብቑዓት መማህራን ኣብ ምርግጋጽ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ተመረቕቲ፡ ደሊቦምዎ ዘለዉ ፍልጠትን ዓቕምን፡ ኣብ ምፍራይ ብቑዕ ፍልጠት ዝዓጠቐ ወለዶ ብግብሪ ክሰርሑሉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ድማ ኣስሚሩሉ።

ኣቐዲሙ ኣካል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ-ነፍሒ ዝነበረ ኮሌጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ፡ ኣብ 2018 ርእሱ ክኢሉ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምግዓዙ፡ ኣስታት 800 ተመሃሮ ኣመሪቑ ናብ ስራሕ ከምዘዋፈረ ተፈሊጡ።

Categories