ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ንጽጉማት ዜጋታትን ኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮን ጨቓዊት ዓዲሉ።

ኣባል’ቲ ቤት-ጽሕፈት መንእሰይ ማሕሙድ ዓብዱላሂ፡ እተን 2,100 ጨቓዊት ብስማዊ ክፍሊት ንጽጉማት ዜጋታት፣ 900 ድማ ንዝተጣየሳ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ከምእተዓደላ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ተመሳሳሊ ናይ ዕደላ ጨቓዊት መደብ ከምእተኻየደን፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኸቦን፡ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

Categories