መንግስቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ዝሃነጾ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብቐንዱ ድማ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርትን ቀረብ ማይን፡ ኣብ ምጥርናፍ ህዝቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ድራር ገሊጹ።

ካብ’ተን ሽዱሽተ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣብ’ተን ሓሙሽተ ስሩዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይወሃብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ መሓመድ-ዑመር፡ መብዛሕትአን ኣብያተ-ትምህርቲ ሓውሲ ኣሕደርቲ ብምዃነን፡ ኣብ ተሳትፎን ቀጻልነትን ዝምስገን ተራ ከምዘለወን ሓቢሩ። ኣብ ድሪት – ምምሕዳር ከባቢ ኣዶብሓ ንኡሽ እትርከብ፡ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳዕ ማእከላይ ደረጃ እተምህር ቤት-ትምህርቲ ብፍላይ፡ ውጽኢታዊ ስራሕ ትዓምም ከምዘላ ኣረዲኡ።

ንኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት፡ ማእከል ጥዕና ኣብ ድሪት፡ መደበር ጥዕና ኣብ ዔላ-ባቡ፡ ኣርባዕተ ነቝጣታት ጥዕና ድማ ኣብ ሃገር ዓቢን ንኡሽን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓስታን ዓሬርብን ከምዘለዋ፣ ንዝለዓለ ሕክምና ካብ ኣዶብሓ ናብ ናቕፋ ንዝለኣኹ ሕሙማት እተገልግል ኣምቡላንስ እውን ምህላዋ ገሊጹ።

ኣብ ድሪትን ከባቢኣን ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘሎ፣ ኣብ ቀድሓት – ምምሕዳር ከባቢ ረባዕ-ተሓትን ከባቢ ፍሩቕን ድማ ድሪል ከምዘላ ብምሕባር፡ ኣብ ዝተረፈ ከባቢታት ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ንምትግባር ክስራሓሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ገና ዘይተጠርነፈ ህዝቢ ስለዘሎ፡ ተጠቃምነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ከምዘይበጽሐ፣ ኣብ ከባቢታት ዔላ-ባቡ፡ ቀድሓትን ድሪትን፡ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዝረኽበሉ ቦታታት ንኽጥርነፍ ዝተበጋገሰ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories