ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት – ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ብልዕሊ 8 ሚልዮን ናቕፋ – መደበር ጥዕናን መዋእለ-ህጻናትን ተሃኒጸን።

እታ ብ7.4 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸት መደበር ጥዕና፡ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝውዕል 14 ክፍልታት፡ 95 ፊስቶ ዝሕዝ ባስካን 8 ዓይኒ-ምድርን ዘጠቓለለት ኮይና፡ ንነበርቲ 7 ዓድታት ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ከምኡ’ውን ተዳወብቲ ዓድታት ንኡሳን ዞባታት ሃበሮን ኣስማጥን ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።

ብ2 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መመረቕታ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ምጥርናፍ መሰረት ምዕባለ ስለዝኾነ፡ ፋሕ ኢሉ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣብ’ቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተዋዲዱሉ ዘሎ ከባቢታት ክጥርነፍ ጸዊዑ።

ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ሳልሕ ኣቡበከር ድማ፡ እዛ እኹል መሳለጥያታትን ዓቕሚ-ሰብን ዓጢቓ ዘላ ትካል ጥዕና፡ ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ቅድሚ-ሕርሲ፡ ሕርሲን ክታበትን ዕዉት ስራሕ ተካይድ ከምዘላ ገሊጹ።

እታ መደበር ጥዕና፡ መመርመሪ ሕሙማትን ነብሰ-ጾራትን፣ ክፍሊ ቀዳማይ ረድኤት፣ መደቀሲ ሓራሳት፣ ፋርማሲ፣ ክታበትን ካልእን ዘጠቓልል ክፍልታት ክህልዋ እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ንመጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ላቦራቶሪን ዝኸውን ህንጻታት ከምዝስራሓላ፡ ነርስ ሳልሕ ሓቢሩ።

ነበርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ 18 ኪሎ-ሜተር ክጐዓዙ ምጽንሖም ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን፡ ክልተ መምሃሪ ክፍልታትን ሓደ ቤት-ጽሕፈትን ዘለዋ ብ700 ሽሕ ናቕፋ ዝተሃንጸት መዋእለ-ህጻናት፡ ድሮ 56 ተመሃሮ ኣአንጊዳ ከምዘላ፡ ካብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories