ኣብ ዓውደ ውግእ መሪር ስዕረት ኣብ እትጎስመሉ፡ ብዝሒን ኣስማትን ኣሃዱታት ሰራዊት እናዘርዘርካ፡ ብዳንኬራ ዘየሎ ዓወት ንህዝቢ ትግራይ ምዕሻው፣ ግልብጥ ኢልካ ድማ “ብተኽእሎ ጂኖሳይድን ምጽናት ዓሌትን” ንማሕበረሰብ ዓለም ምብህራር፣ ዝተመንወ ድራማ ጃንዳ ወያነን ኣጫፈርቱን’ዩ።

እቲ ጃንዳ፡ ካብ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝተጸርገሉ ዕለት፡ ኣብ ከባቢታት ኣድያቦ ዝተደምሰሳ ዓሰርተታት ክፍላተ-ሰራዊት ጸብጺቡ ኬብቅዕ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት “ኣብ ሽረ ጂኖሳይድ ጀሚሩ፣ ድሮ 300 ደቀንስትዮ ተደፊረን” ክብል ነቲ ‘ደምሲሰዮ’ ዝበሎ ሰራዊት ዝኸስስ ነውራም ዜና ከቃልሕ ኣይሓነኸን።

“ጂኖሳይድ” ዝብል ግናይ ሕልሚ ወያነን ኣጫፈርቱን፡ ብዘይ ቅንጣብ ጭብጢ ኣእዛን ማሕበረሰብ ከደንቊር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ምሒር ብምድግጋሙ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ላግጺ ተቐይሩ ይርከብ።

እቲ ዘሕዝን፡ ንኸምዚ ዓይነት ላግጺ፡ ከም ፓፓጋሎ ተቐቢሎም ዝደግሙ፡ ብደረጃ ዓለም ፍሉጣት ትካላትን መራኸቢ ብዙሓንን ምህላዎም እዩ።

ኣብ ዋሽንግቶን ዝመደበሩ ቤተ-መዘክር ሆሎካስት (Holocast Memorrial museum)፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዘመተ ወያነን ኣጫፈርቱን ቃል ብቓሉ ብምድጋም፡ “ኣብ ትግራይ ጂኖሳይድ ክፍጸም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ” ዝብል መግለጺ ምዝርግሑ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።

“ዓለምና ህልቂት ሆሎካስት ከይትደግም ንምዝኽኻር ዝቘምኩ’የ” ዝብል ሜሞርያል ሙዝየም፡ ብጉያ መግለጺ
ከውጽእ ዝተኣዘዘ’ዩ ዝመስል።

ምኽንያቱ፡ ከም ሓደ ክብሪ ዘለዎ ትካል፡ መግለጺኡ ዘእምን ጭብጢ ወይ መረዳእታ ኣየቕረበሉን።

ኣብ ርሑቕ ማዕዶ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ናይ ቀረባ ትዕዝብቲ ከየድልዮ፡ ስክፍታ ዘሕደረሉ ቤላ-ቤለው ማዕከናት ዜና ልክዕነቱ ንምርግጋጽ ከይደኸመ፡ መጋበርያ ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳን ክኸውን ምምራጹ ድማ፡ ንዝቘመሉ ዕላማ ዘራኽስ፡ ንርዝነቱን ተቐባልነቱን ከም ትካል፡ ናብ ሚዛን ክንቲት ዘውርድ’ዩ።

ለባም ሓታታይ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት፡ “ብልክዕ ኣበይናይ ቦታ ናይ ትግራይ’ዩ ጂኖሳይድ ተፈጺሙ? መዓስ ዕለት? ከመይ ዝዓይነቱ ቕትለት? ብመን ዝተፈጸመ? ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ግዳይ ኮይኖም? እንታይ መረጋገጺ ጭብጢ ኣሎ? ዝብል ቀሊል ሕቶታት ምስ ዝሓትት፡ ካብ ጫውጫውታ ማሕበራዊ ሚድያ ሓሊፉ፡ ብቦታን ዕለትን ኣሃዛትን ዝተሰነየ ጭቡጥ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ኣካል የለን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ውግእ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ከተማታት ከይኣቱን ሰላማውያን ሰባት ከይልክምን ክገብሮ ዝጸንሐ ጥንቃቐ ምስ ካልእ ተርእዮታት ክነጻጸር እንከሎ ዝነኣድ’ዩ።

እተን “ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ኲናት ኣለና” ዝብላ ሃገራት፡ ኣብ ከም በዓል ሊብያ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን ወዘተ. ዘውረድኦ ሰብኣዊ መቕዘፍቲን ዕንወት ከተማታትን፡ ህዝቢ ዓለም ብኣንክሮ ዝተዓዘቦ’ዩ።

ንሱ ግን “ጂኖሳይድ” ኣይተባህለን። ዘይድለ ላኼማ (collateral damage) ዝብል ስም’ዩ
ተዋሂቡዎ።

ጃንዳ ወያነ ባዕሉ ወወቒዑ፡ “ጂኖሳይድ” እናበለ ዘእውየሉ ምኽንያት፡ “ንሕና ውሑዳን ኢና፣ ተጠቃዕቲ ኢና” ካብ ዝብል ነብሰ-ሕልከትን ሕሙም ስነ-ኣእምሮን ብምብጋስ ኮይኑ፡ “ኣውያትና ንማሕበረሰብ ዓለም ከሰክፎ ይኽእል’ዩ” ብዝብል ቅማረ’ዩ።

ሳሕቲ ላኼማ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ብዓይኒ ሞያውነት ኣብ ሚድያ ክቐርብ ዘይግብኦ ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ ስእልታት እናዘርጋሕካ ምውጫጭ ድርኺቱ እዚ ሕሙም ስነ-ኣእምሮ’ዚ እዩ።

ብድሕሪ’ዚ ዘመተ’ዚ ዘሎ፡ ቀንዲን ዝዓበየን ዕላማ ለኣኽቱ ግን፡ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጃምላዊ ህልቂትን ገበን ኲናትን ጠቂንካ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ዘገልግል ክሲታት ምምስራትን ኣብኡ ተሞርኲስካ ዘድልየካ ውሳነታት ንምሕላፍን’ዩ።

ብ3-4 ሕዳር 2020 ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ክስተት ዝጀመረ ዘመተ “#ህልቂት ትግራይ” (#Tigray Genocide)፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት መሰነይታ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነን ጎይቶቱን ኮይኑ ብውሁድ ቅኒት ክጋዋሕ ዝተመርጸሉ፡ በዚ ዕላማ’ዚ እምበር፡ ምኹኑይ ስክፍታ ስለዘሎ ኣይኮነን።

Categories