ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ “ማሕበረ-ኮም ንኹሉ” ብዝብል ቴማ፡ ብ28 ጥቅምቲ 8ይ ጉባኤ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ቐጠር – ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ ማሕበረ-ኮም ኣብ ጥርናፈ ዜጋታት፡ ምዂስኳስ ክብሪታት፡ ምዕቃብ ባህሊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምዂላዕ መንነትን ምስሊ ሃገርን ዘለዎ ኣገዳስነት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንኣሰናዳኢት ኣካል ስለ’ቲ ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ ሞጒሱ።

ኣምባሳደር ዓሊ፡ እቶም ሓደስቲ ኣካየድቲ ማሕበረ-ኮም – ኣብ’ቲ ዘሰላስልዎ ንሃገርን ማሕበረኮምን ዘርብሕ ንጥፈታት፡ ኤምባሲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጐድኖም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ስራሕ ብዝነበረት ኣካያዲት ኣካል ኣብ ዝቐረበ ኩሉመዳያዊ ጸብጻብን ገምጋምን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ11 ኣባላት ዝቘመት ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጾም።

እታ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ቐጠር፡ ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ዘቃንዓቶ ቀዳማይ ኣኼባ፡ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር ንትግባረ ተበጊሳ።

Categories