ኣምሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ሱዳን ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ከም ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኣብ ሊብያ፡ ብቐዳም 29 ጥቅምቲ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ሊብያ መሓመድ ዩንስ ኣል-መንፊ ኣረኪቡ።

ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ዒሳ፡ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ፡ ብወገን ኤርትራ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ንምዕዋቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሊብያ ተወሃሂዱ ከምዝሰርሕ ድማ ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣል-መንፊ ብወገኑ፡ ሕውነታዊ ዝምድናታት ሊብያን ኤርትራን ንምድልዳል፡ ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ መዳያት ብሓፈሻ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባን ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ፡ ብወገን ሃገሩ ንዘሎ ድሌትን ድልውነትን ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣል-መንፊ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ሰላምን ብልጽግናን፡ ንኣምባሳደር ዒሳ ድማ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ግዜ ተመንዩ።

ኣምባሳደር ዒሳ ብ28 ጥቅምቲ፡ ቅዳሕ ወረቐት ስራሑ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ ኣብ ዘረከበሉ እውን፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝዘተየ ተፈሊጡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሊብያ፡ ውዳበታቶምን ሓድነቶምን ኣደልዲሎም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ሃገሮም እጃሞም ከምዘበርክቱ፡ ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ትሪፖሊ ምስ ኣምባሳደር ዒሳ አሕመድ ዒሳ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት፡ ኤርትራ ሳላ ጽኑዕ ህዝባን መንግስታን ናብ ትስፉው መድረኽ ትሰጋገር ምህላዋ ከምዝግንዘቡ ብምጥቃስ፡ መንኰርኰር ልምዓትና ንምዂላፍ፣ እንተዘይኰይኑ ድማ ንምትዕንቓፍ ዝተገብሩን ዝቕጽሉ ዘለዉን ጠቐነታትን ውዲታትን ንምብዳህ፡ ኣበርክቶምኦም ከምዘዕዝዙ ገሊጾም።

ኣምባሳደር ዒሳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ዝሰፈኖ ርህው ጐዶቦ ብምፍጣር ሽርክነታዊ ልምዓትን ዘላቒ ማሕበራዊ ፍትሒን ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪን ገስጋሱን፣ ከምኡ’ውን መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ብቕዓት ዜጋታት ክብ ንምባል ኣብ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ድማ ብፍላይ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡዎም።

Categories