ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ምምሕዳር ከባቢ ተራእምኒ፡ ብ3 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወቕዐ ንፋስን በረድን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ንብረትን ሃብቲ ገረብን ዕንወት ኣውሪዱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ተራእምኒ፡ ዚንጎታት 5 ክፍልታትን መኻዚኖን ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ተራእምኒ ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ኣብ ንብረቱ ጉድኣት ከምዝወረደ፣ ዓሰርተታት ኣግራብ ከምዝወደቑ፣ ኣብ መደበር ፈልሲ ተራ-እምኒ ድማ ዕንወት ከምዝወረደ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዓዲ-ጒላ 5 ኣባይቲ ዚንጎኡ ክቕንጠጥ እንከሎ፡ 7 ሞቶረታት ብውሕጅ ተደብዩ፡ 2 ከብቲ ድማ ሞይተን።

ኣብ ታኺታ እውን፡ ዚንጎታት ናይ 15 ኣባይቲ ተቐንጢጡ፣ 3 ሞቶረታት ተደብዩ፣ መስመር ኤለትሪክ ተበቲኹ፣ ዓበይቲ ኣግራብ ወዲቑ።

Categories