ኣብ ዓድታት ኮርባርያን ኣድግናን – ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ብ6 ሓምለ ዝወቕዐ በረድን ህቦብላን ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ትካላት፡ ጥሪትን ሕርሻን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ሓደጋ፡ ኣብ ኮርባርያ – ህንጻን ኣግራብን ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ናቕፋና ዕንወት ክወርዶ እንከሎ፡ ዚንጎታት ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ትካል መፍረ ጸባ ኮርባርያ ተቐንጢጡ።

ኣብ ኣድግና ብተመሳሳሊ፡ ዚንጎታት 5 መምሃሪ ክፍልታት መባእታ ቤት-ትምህርቲን 3 መንበሪ መማህራንን ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ብርክት ዝበለ መጻሕፍትን ካልእ መወከሲታትን ከምእተበላሸወ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መጠናዊ ጉድኣት ከምዝወረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ 10 ጤለ-በጊዕን 17 ከብትን ሞይተን፡ 4 ሞቶረታት ማይ ሕርሻ ኣብ ዒላ ተደፊነን፡ ፍርቂ ሄክታር ኣሕምልቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኑ።

Categories