ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ቁጽሪ’ተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝገላገላ ነብሰ-ጾራት ብዕጽፊ ከምዝዓበየ ተገሊጹ።

ሓላፊ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ትካላት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ነርስ መሓሪ ቃልኣብ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ፎሮ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ብምህናጹ፡ ኣብ 2018 ኣብ ትካላት ጥዕና ዝተገላገላ ነብሰ-ጾራት 223 ምዃነን፡ እዚ – ኣብ 2020 ናብ 423 ክብ ከምዝበለ ገሊጹ።

ሸፈነ ክታበት – ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ 82 ሚእታዊት ናብ 94 ሚእታዊት ከምዝበረኸ፣ ተርእዮ ሕማም ዓሶ እውን፡ ሳላ ውዱብ መደባት ጽሬት ከባብን ምንስናስ መድሃኒትን ኣዝዩ ከምዝነከየ ኣረዲኡ።

ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ብሓፈሻ ክብ ብምባሉ፡ ነብሰ-ጾራት ናብ ሕክምና እናተመላለሳ ብዝረኽባኦ ዘለዋ ግቡእ ክንክን፡ ጥዕናአንን ጥዕና ዕሸለንን ከውሕሳ ከምዝኸኣላ እውን ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ናይ ጥንስን ሕርስን፡ ውሁድ ፍወሳ ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ ክታበት ኣደን ህጻንን፡ ላቦራቶሪ፡ ናይ ምኽርን ካልእን ኣገልግሎታት ከም ዝወሃብ ነርስ መሓሪ ገሊጹ።

Categories