ትማሊ 8 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ወዲ 87 ዓመት ኣቦ፡ ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 6242 በጺሑ ኣሎ። 5,808 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 28 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 406 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 08 ሓምለ 2021

Categories