ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ናይ 1442 ሂጅርያ፡ ትማሊ 20 ሓምለ 2021 ብክብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣልኣድሓ፡ ብመሰረት ቅጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ‘ኮቪድ-19’፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ቦታ ዝግበር ዝነበረ ስነ-ስርዓትን ሰላትን ተሪፉ፡ በብከባቢኡ ኣብ ዝርከብ መሳጊድን ጀዋምዕን ብውሱን ተሳትፎ እዩ ተኻዪዱ።

ኣብ ኣስመራ – መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ ሰላት ዒድ፡ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ ኹጥባ፡ ዒድ ምስ ቤተ-ሰብካን ጐረባብትኻን እትሕጐሰሉ፡ ካብ’ቲ ዘለካ ብምክፋል ድማ ንልብታት ዘኽታማት፡ ስኡናትን ጽጉማትን ብሓጐስ እትመልኣሉ፡ ሃይማኖታዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ዕላማታት ዘለዎ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።

ሼኽ ሳልም ኣስዒቦም፡ ፍትሕ – ብዘሻቕል ደረጃ ዝርአ ዘሎ ማሕበራዊ ክስተት ኰይኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንስድራቤታት ዝበታትንን ንንጹሃት ህጻናት ግዳይ ዝገብርን ተርእዮ ንምግታእ፡ ዓበይቲ ዓድን ለባማትን ተራኦም ከዕዝዙ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ንምእመናን ምስልምና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ርሑስ ዒድ ተመንዮም።

Categories