ኮርፖረሽን ‘ኤሪቴል’ ኣብ ከባቢ ኣለቡ ብዝተኸሎ ሓድሽ መሳለጥያ መራኸቢታት፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሃይኮታን ጎልጅን ዝርከባ ምምሕዳራት ከባቢ ፋንኮ፡ ፌስኮን ገርሰትን፡ ካብ 15 ሓምለ ጀሚረን – ተጠቀምቲ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ኰይነን።

ሓላፊ ጨንፈር ‘ኤሪቴል’ ኣብ ተሰነይን ከባቢኣን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገብረሂወት፡ ኣገልግሎት ዘይጸንሖ ርሑቕ ከባቢታት ከምዝረክብ ንምግባር ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ምጽንሑ፣ ኣብ ጎቦ ተገርጋ ዝተዋደደ ትሕተ-ቅርጺ ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነበርቲን ካልኦት መሳርኽትን ንዝገበሩሎም ደገፍ ሞጒሱ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ብዝተዋደደ መርበባት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን፡ ህዝቢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክረክብ በቒዑ ከምዘሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ብ08 ዝጅምር ቀዋሚ ቴሌፎን – ማለት ‘CDMA’ን ኢንተርነትን ድማ ኡፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋንኪኤል፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ ስራሕ ደገፎም ንዘበርከቱ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣባላት ክፍለሰራዊት 65፡ ምክትታል ዶባት፡ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ካልኦት ኣካላትን ኣመስጊኑ።

ነቲ ስራሕ ዝመርሐ ኣብ ኮርፖረሽን ‘ኤሪ-ቴል’ ሓላፊ መርበብ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን መሃንድስ ነጋ ወልደኣብ፡ ተተኺሉ ዘሎ ናውቲ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ (2Gን 3Gን) ኰይኑ፡ 10 ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት ከምእተዋደደሉ ብምሕባር፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ምዕቃቡ ተሳትፎኦም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጨንፈር ተንቀሳቓሲ መርበብ ቴሌፎን – ሓላፊ ኣሃዱ ምክትታል ፕሮጀክት ‘ሬድዮ ኔትዎርክ’ መንእሰይ ጸጋይ መንግስተኣብ ድማ፡ 1030 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ዝብራኸኡ ጎቦ፡ ነቲ ኣገልግሎት ዘድሊ ታወርን ህንጻን ንምስራሕ ዝተሓልፈ ከቢድ ጻዕሪ ብምጥቃስ፡ ኩሉ-መዳያዊ ደገፍ ንዝገበሩሎም ኣካላት ኣመስጊኑ።

Categories