ትማሊ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 4 ኣብ ኣስመራ፣ 4 ኣብ ዞባ ደቡብ – 2 ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ሓደ ኣብ ጸሮና፡ ሓደ ኣብ ሰገነይቲ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 20 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ 13 ኣብ ዞባ ደቡብ፣ 6 ኣብ ዞባ ማእከል – 39 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 6450 በጺሑ ኣሎ። 6,158 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 32 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 260 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 20 ሓምለ 2021

Categories