ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ ማሕሙድ ዓሊ፡ ትማሊ 20 ሓምለ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ዓሰብ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈን፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1974 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረን ተጋዳላይ ዓሊ ሽፋ፡ ክሳብ ወርሒ ሕዳር 1988 ኣብ ባሕሪያ ከም መራሒ ጃልባ፣ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 1988 ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 1991 ድማ ከም ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኣብ የመን ኰይኑ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት እውን፡ ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ፡ ክሳብ 2007 ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት፣ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2007 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ከም ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣገልጊሉ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዓሰብ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ ማሕሙድ ዓሊ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዮም።

Categories