ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 30 ሓምለ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ተራኺቡ ዘትዩ።

እቲ ዘተ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን እዋናዊ ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ንውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ብድሆታት ብሓባራዊ ጻዕሪ ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሓ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ተሰማሚዖም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ እውን ተረኺቡ ነይሩ።

Categories