ትማሊ 5 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 39 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 22 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 4 ኣብ ጊንዳዕ፡ 2 ኣብ ባጽዕ፣ 5 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ኣብ ደቀምሓረ፡ ሓደ ኣብ መንደፈራ፡ ሓንቲ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፣ 5 ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 43 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 29 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 18 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – 90 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 6127 በጺሑ ኣሎ። 5,808 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 25 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 294 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 05 ሓምለ 2021

Categories