Author - Staff

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም...

ኣብ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ፡ ልዕሊ 176 ሽሕ ጨቓዊት ተዓዲለን

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቍጠባዊ ዓቕሚ ዜጋታት ንምምሕያሽ ብዝወጸ – ጨቓዊት ናይ ምዕዳል መደብ፡ ልዕሊ 176 ሽሕ ጨቓዊትን ናይ ገደና ደርሁን ከምእተዓደላ ተገሊጹ። ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት እንስሳ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ዳኒኤል ተኪኤ፡ እቲ ብምትሕብባር...

ኣብ ዓረዛ፡ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ጥሪት ተኻዪዱ

ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ልዕሊ 53 ሽሕ እንስሳታት ኣንጻር ውሽጣውን ግዳማውን ሕማማት ተኸቲበን። ኣብ’ቲ ካብ 15 ሓምለ ጀሚሩ ንክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ሰፊሕ ወፍሪ፡ ኣብ 24 ነቑጣታት፡ 50,600 ጤለ-በጊዕ ጸረ ጉልሓይ መሰል፣ 100 ናይ ጸባ...

ደቀምሓረ – ንሓለፍቲ ትምህርቲ ተወሳኺ ስልጠና ተወዲቡ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ካብ 6 ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ንዝተዋጽኡ ኣካየድቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምድላው ውሁድ ውጥን ኣተገባብራ መደባት ትምህርቲ ዝቐንዐ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ስልጠና ወዲቡ። እዚ ካብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡...

ኣብ ዞባ ማእከል፡ መደብ ሓምላይ ወፍሪ ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ

ብደረጃ ሃገር ተበጊሱ ዘሎ ንጥፈታት ምግራብን ምፍዋስ ማይክዖታትን ዘጠቓልል ሓምላይ ወፍሪ ንምዕዋት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ መደበራት ፈልሲ እኹል ቀረብ ፈልሲታት ከምዘዳለዋ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገሊጾም። እቶም ሞያውያን ሕርሻ፡ ኣብ...

ኮሎኔል መሓሪ ተስፋማርያም ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል መሓሪ ተስፋማርያም ተስፋይ፡ ብ28 ሓምለ ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ሰነ 1976 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ – ኣብ ተዋጋኢ...

ቢንቶ ገርገፍ ተጸጊኑ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ብውሕጅ ተበላሽዩ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ ቢንቶ ገርገፍ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ምስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ተወሃሂዶም ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ተጸጊኑ። ነቲ ስራሕ ዝመርሐ መሃንድስ ሓሰን እድሪስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ...

ምም/ዞባ ማእከል፡ መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ ኣካዪዱ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዝተሓንጸጹ መደባት፡ ብውህደት ኩሎም ኣካላትን ህዝብን ብኣድማዕነት ከምእተዓመሙ፡ ምምሕዳር ዞባ ብ27 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻባት፡ ኣብ...

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዘትዩ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 30 ሓምለ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ተራኺቡ ዘትዩ። እቲ ዘተ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን እዋናዊ ዞባዊ...

ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ ማሕሙድ ተሰዊኡ

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓሊ ሽፋ ማሕሙድ ዓሊ፡ ትማሊ 20 ሓምለ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ዓሰብ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈን፡...

Login

Categories