ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ብውሕጅ ተበላሽዩ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ ቢንቶ ገርገፍ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ምስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ተወሃሂዶም ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ተጸጊኑ።

ነቲ ስራሕ ዝመርሐ መሃንድስ ሓሰን እድሪስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ቀንዲ መስመር ተሰነይ – ኦምሓጀር ዝርከብ ቢንቶ፡ ብሓገዝ ክኢላዊ ዓቕሚን ማሽነሪን ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት እዩ ተጸጊኑ።

ንነበርቲ ገርገፍ ብኣውራኡ – ካብን ናብን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ድማ ብፍላይ፡ ጸገም ፈጢሩ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ መሃንድስ ሓሰን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣገልግሎት ብቑዕ ኰይኑ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ገርገፍ ኣቶ ኢብራሂም ሳልሕ፡ እቲ ብሰንኪ ብርቱዕ ውሕጅ ዝዓበየ ክፋሉ ፈሪሱ ዝጸንሐ ቢንቶ፡ ንነበርቲ መትኒ ዕለታዊ መነባብሮኦም ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories