ብደረጃ ሃገር ተበጊሱ ዘሎ ንጥፈታት ምግራብን ምፍዋስ ማይክዖታትን ዘጠቓልል ሓምላይ ወፍሪ ንምዕዋት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ መደበራት ፈልሲ እኹል ቀረብ ፈልሲታት ከምዘዳለዋ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገሊጾም።

እቶም ሞያውያን ሕርሻ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ 350 ሽሕ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ 226 ሽሕ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ 460 ሽሕ – ናይ 15 ዓይነታት ኣግራብ ፈልሲታት ከምእተዳለወን፡ ብተመሃሮን ህዝብን ይትከል ምህላዉን ኣረዲኦም።

እቲ ብክኢላታት ሕርሻ እናተመርሐ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ – ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ስራሓት፡ ምስ ዝናብ ክራማት ተደሚሩ፡ ዕዉት ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ዝወጸ ውጥን፡ ብተሳትፎ መላእ ህዝብን ሰራሕተኛታትን፡ ሃገራውያን ኩባንያታትን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻልን ውዳበታት ህግደፍን ይትግበር ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories