ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል መሓሪ ተስፋማርያም ተስፋይ፡ ብ28 ሓምለ ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 1976 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ኮሚሽን ህንጻን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሎጅስቲክስ ህንጻ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም መራሕ ስራሕ፡ ምስ ምቛም ኩባንያታት ህንጻ ከኣ ካብ 2002 ክሳብ 2014 ሓላፊ ኩባንያ ሓበን፡ ካብ 2014 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ኩባንያ ህንጻ ባድመ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ኮሎኔል መሓሪ ተስፋማርያም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 7 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 30 ሓምለ ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል መሓሪ ተስፋማርያም ተስፋይ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories