ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቍጠባዊ ዓቕሚ ዜጋታት ንምምሕያሽ ብዝወጸ – ጨቓዊት ናይ ምዕዳል መደብ፡ ልዕሊ 176 ሽሕ ጨቓዊትን ናይ ገደና ደርሁን ከምእተዓደላ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት እንስሳ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ዳኒኤል ተኪኤ፡ እቲ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ዝትግበር ዘሎ መደብ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ 25 ጨቓዊት ብሕሳብ 15 ናቕፋ ምዕዳል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ካብ ዝጅምር፡ ኣስታት 7,070 ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ኮይነን ምህላወን ብምሕባር ድማ፡ ብፍላይ ነተን ብምምሕዳር ከባቢ ዝተጸንዓ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝእለያ ጽጉማት ስድራቤታት፡ ነተን ጨቓዊት ዝኸውን ብናጻ ናይ ክልተ ወርሒ ቀለብ ከምእተዋህበ ገሊጹ።

በብእዋኑ ክውደብ ዝጸንሐ ጐስጓሳት፡ ኣስተምህሮታትን ሞያዊ ምኽርን፡ ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኩነታት ናይ’ቶም ተጠቀምቲ ዜጋታት መሰረታዊ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ ኣቶ ዳኒኤል ሓቢሩ።

ተጠቀምቲ ብወገኖም፡ ኣብ መፍረ ደርሁን ውጽኢቱን ዝነበሮም ድሩት ኣፍልጦ፡ ብዝተዋህቦም ሞያዊ ምኽሪ ከምዝበረኸ፣ እዚ ድማ ቁጠባዊ ዓቕሞም ኣብ ምምሕያሽ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ገሊጾም።

Categories