ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ልዕሊ 53 ሽሕ እንስሳታት ኣንጻር ውሽጣውን ግዳማውን ሕማማት ተኸቲበን።

ኣብ’ቲ ካብ 15 ሓምለ ጀሚሩ ንክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ሰፊሕ ወፍሪ፡ ኣብ 24 ነቑጣታት፡ 50,600 ጤለ-በጊዕ ጸረ ጉልሓይ መሰል፣ 100 ናይ ጸባ ከብቲ ጸረ ሕማም ዕጭላም፣ 2,440 ኣኽላባት ድማ ጸረ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምእተኸትባ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ምሕረቱ ኣርኣያ ገሊጹ።

ብሰንኪ ጽዑቕ ወቕቲ ክራማትን ወሓይዝን ክኽተባ እናተገብአን ዘይተኸትባ ጥሪት ከምዘለዋ ጠቒሱ ድማ፡ ሓረስቶት ጥዕና ጥሪቶም ንምውሓስ ናብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ እናመጹ ጥሪቶም ከኽትቡን ከሐክሙን ኣዘኻኺሩ።

በቲ ወፍሪ፡ ክኽተባ ካብ ዝግብአን ኣስታት 84 ሽሕ ጥሪት፡ እተን 63 ሚእታዊት ጥራይ ከምእተኸትባ ዝሓበረ ሓኪም እንስሳ ኣቶ ብርሃነ ማና፡ ጥሪት ንኽስስናን ዝግባእ ምህርቲ ክህባን ጥዕናአን ክወሓስ ስለዝግባእ፡ ሓረስቶት ንዓወት ናይ’ቲ ዓመታዊ ብናጻ ዝወሃብ ክታበት ብንቕሓት ክሳተፉ ተላብዩ።

Categories