ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ካብ 6 ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ንዝተዋጽኡ ኣካየድቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምድላው ውሁድ ውጥን ኣተገባብራ መደባት ትምህርቲ ዝቐንዐ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ስልጠና ወዲቡ።

እዚ ካብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ጸሮናን ማይ-ዓይኒን ዝተዋጽኡ ሓለፍቲ ትምህርቲን ስነ ምምህርናን፡ ከምኡ’ውን ዳይረክተራትን ሱፐርቫይዘራትን ካልኣይ ደረጃ ዝተሳተፍዎ ስልጠና፡ ብግዜን ውጽኢትን ዝልካዕ ውሁድ ውጥን ብምውጻእ፡ ኩሉእንትናዊ ምዕባለ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምርግጋጽ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ነቲ ስልጠና ዝመርሐ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ መምህር ግርማይ ገብረሂወት፡ ዳይረክተራት ኣብያተ-ትምህርቲ በብናቶም ውጥን ኣብ ክንዲ ዝኸዱ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልግል ውሁድ ውጥን ተዳልዩ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ መንገዲ ንምንዳይ፡ እዚ ስልጠና ሓጋዚ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓላፊት ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ መምህር ርግበ ክፍለ፡ ዳይረክተራትን ሱፐርቫይዘራትን ኣብ ምትግባር ናይ’ቲ ሓሳብ ተወፋይነት ከርኣዩ ተላብያ።

Categories