ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዝተሓንጸጹ መደባት፡ ብውህደት ኩሎም ኣካላትን ህዝብን ብኣድማዕነት ከምእተዓመሙ፡ ምምሕዳር ዞባ ብ27 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻባት፡ ኣብ መደባት ወፍሪ ሓምላይ ልምዓት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ፍቓድ ጽገና ህንጻታት፡ ጽገና ጽርግያታትን መንገዲታት ኣጋርን. . . ዝሓቘፈ መደባት ከምእተተግበረ ሓቢሮም።

ኣብ ጸብጻብ ሕርሻ፡ 2,650 ሄክታር ከምእተሓርሰን 80 ሚእታዊት ካብኡ ከምእተዘርአን በሪሁ።

ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፡ ንቕጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ‘ኮቪድ19’ ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባባት ይካየድ ከምዘሎ ክበርህ እንከሎ፡ መደባት ስፖርት ንምድንፋዕ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣብያተ-ትምህርትን ወለድን ጽልዋኦም ከሐይሉ ተሓቲቱ።

ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ድማ ብፍላይ ናይ ዝተተግበሩ መደባት ጸብጻብ እውን ቀሪቡን፡ ዘተን ክትዕን ተኻዪዱሉን።

ኣብ መወዳእታ፡ ጽገና መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ክድፋኣሉ፣ ምስፋሕ ገጽ 11 መስመር ጽሩይ ዝስተ ማይ ክቀላጠፍ፣ ኮም ዝሰረቱ መደባት ጽሬት ብዝሰፍሐ ክድፋኣሉ፣ ጽገና ዘድልዮ ጽርግያታት ምትዕርራይ ክግበረሉ ዝብል ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኩሎም ኣካላት ንዝቐረበ ጸብጻባት ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ዝቕጽል መንፈቕን ኪኖኡን ክዕመም ዝውጠን መደባት ስራሕ ብኣድማዕነት ንምፍጻም ዕቱብነቶም ከዕዝዙ ኣተሓሳሲቡ።

1041.51 ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ዞባ ማእከል፡ 16 ንኡሳን ዞባታት፡ 83 ምምሕዳራት ከባቢን 86 ዓድታት ይጥርንፍ።

Categories