Author - Staff

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ 94 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ብዓውድታት ቴክኖሎጂ ማሽናት ስራሓት ሓጺን፡ ከምኡ’ውን ጽገና ኮምፕዩተርን ምዝርጋሕ መርበባትን ንክልተ ዓመት ዘሰልጠነቶም 32 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 94 ተመሃሮ፡ ትማሊ 1 ሓምለ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።...

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ 29 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 52 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚኣቶም፡ 49 ኣብ ኣስመራ፣ 3 ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም። እዚ ከም’ዚ ኢሉ...

ፎርቶ-ሳዋ – ልምዓት ጀራዲን ዕድላት ሽቕለት ይፈጥር

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ልምዓት ጀራዲን ብዓይነትን መጠን ምህርትን ዘተባብዕ ምዕባለ የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ቁጠባዊ ልምዓት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዕቚባይ ገብረኣምላኽ ገሊጹ። ኣብ ገማግም ሩባ ሳዋ፡ ኣብ ኣስታት 1,600 ሄክታር ብመስኖኣዊ ኣገባብ ዝለምዐ...

ዓንሰባ – ልምዓታዊ ወፈራዊ ስራሓት ይካየድ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ – ምምሕዳር ከባቢ ግዝግዛ፡ ነበርቲ ዓስተሩ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብን መሬቶም ንምርጋእን፡ ሰፊሕ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ። እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ ስራሕ፡ ምድልዳል መሬት ሕርሻ፡...

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ዶንቦስኮ’ 327 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ዶንቦስኮ’፡ ብሸሞንተ ዓውድታት ትምህርቲ ንክልተ ዓመት ዘሰልጠነቶም 327 ተመሃሮ፡ ብ28 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ። ሰልጠንቲ፡ ኮርስ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ከምኡ’ውን ኮርስ ዓመተትምህርቲ...

ንስድራ-ስዉኣት ገንዘባውን ዓይነታውን ሓገዝ ተገይሩ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ናቕፋን ከምኡ’ውን ኣብ ዓሰብ ንስድራስዉኣት ናይ ገንዘብን ዓይነትን ሓገዝ ተገይሩ። እቲ ናይ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣስታት 130 ሽሕ ናቕፋን ልዕሊ 10 ኩንታል እኽልን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ሕሽመለ፡ ዑናቡር፡ ሃዳሙን...

ተጋዳላይ ዑስማን ዓብደላ ብሉሕ ተሰዊኡ

ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ጉዳያት ህዝቢ – ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ዓብደላ ብሉሕ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ27 ሰነ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1970...

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ብ27ን 28ን ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 104 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። እዚኣቶም፡ 30 ብ27 ሰነ፡ 74 ድማ ብ28 ሰነ ብዝተገብረ መርመራታት መልከፍቶም...

ጊንዳዕ – ኣብ ‘ሕዛእቲ ሑጺት’ መበቈላውያን ኣግራብ ይስስኑ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ምምሕዳር ከባቢ ሑጺት ዝርከብ ልዕሊ 500 ሄክታር ዝሽፍን ‘ዓዳዊ ሕዛእቲ’ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፡ ነበርቲ ሓቢሮም። ነቲ ሕዛእቲ ቀጻሊን ጥቡቕን ምክትታል ከምዝካየደሉ ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ከም ውጽኢቱ መበቈላውያን...

ደቡብ – ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ሓበናት ተመሪቑ

ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ፡ ክስራሕ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ቀረብ ዝስተ ማይ ሓበናት ተዛዚሙ – ብ13 ሰነ ተመሪቑ። ሓላፊ ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ ኣቶ ክብሮም ምስግና፡ እቲ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድአ ፕሮጀክት፡ 60 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዋ...

Login

Categories