Author - Staff

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ንልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣስተምህሮ ሂቡ

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኢንገል፡ መካዕኒለ፡ በካዕን በዴዳን – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ንዝነጥፋ ተራድኦታት ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ እቶታውነት ንምሕያል ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ወዲቡ። እቲ ካብ 16 ክሳብ 22 ጥሪ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንነባራት...

ድባርዋ – 75 ሚእታዊት ነበርቲ ተጠቀምቲ መስመር ማይ ኮይኖም

ካብ ነበርቲ ከተማ ድባርዋ – እቶም 75 ሚእታዊት፡ ተጠቀምቲ ናብ ኣባይቶም ዝተዘርግሐ መስመር ማይ (ቡምባ) ከምዝኾኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ማይ ናይ’ታ ከተማ ኣቶ ታደሰ በራኺ ገሊጹ። ከተማ ድባርዋ፡ ሓንቲ ካብ’ተን እኹል ምንጪ ማይ ዘለወን ከተማታትና ምዃና...

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ኣብ ምርግጋጽ ሸቶታት ምዕባለ ዘተባብዕ ገስጋስ ይምዝገብ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና – ኣብ ምርግጋጽ ሸቶታት ምዕባለ ዘተባብዕ ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ብ29ን 30ን ጥሪ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ። ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዝርጋሐ ትካላት...

ማእከል – ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣስተምህሮ ተዋሂቡወን

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ፖሊስን ኢሚግረሽንን ንዝሰርሓ 400 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሕጊ ዘለወን ኣፍልጦ ንምዕባይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ብቦርድ ሚኒስትሪታት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ክኢላ ሕጊ ኣቶ ሳሙኤል ገብረብርሃን፡ ሕጊ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ...

ዓንሰባ – ሃሰይቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድ ዕቱብ ስራሕ ተተግቢሩ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ- ኣንስትዮ ኣካላውን ስነ¬-ኣእምሮኣውን ሳዕቤናት ዘለዎም ሃሰይቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድን፡ ጽሬት ከባቢ ኣብ ምውሓስን፡ ኣድማዒ ንጥፈታት ከም እተሰላሰለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ዞባ ገሊጹ። ብ25ን 26ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን...

“ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ብዕቱብ ይስራሓሉ ኣሎ” ዲን ኮለጅ ሕርሻ

ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዝግበር ወፍሪ፡ መሰረት ዕብየትን ውሑስ መጻእን ስለዝኾነ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ዲን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣቶ ሰመረ ኣምለሶም ገሊጹ። “ቁጠባውን ሕርሻውን ምዕባለ፡ ኣብ ብቑዕ ፍልጠት ዝቐሰመ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ እዩ ዝምርኰስ” ዝበለ ኣቶ...

ባጽዕ – መንእሰያት መጻኢኦም ብፍልጠት ከውሕሱ ይሕተቱ

መንእሰያት ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ታሪኾምን ክብርታት ሕብረተ-ሰቦምን ብግቡእ ወሪሶም፡ ብሩህ መጻኢኦም ንምውሓስ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክስጉሙን ፍልጠቶም ከበርኹን፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ኣዘኻኺሩ። ብ25 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ...

ልዕሊ 62 ሽሕ ዶላር ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት’ ተወፍዩ

ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፡ 62 ሽሕን 316 ዶላር ከም እተወፈየ፡ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ካብ’ቲ ዝተበርከተ ገንዘብ፡ እቲ 36 ሽሕን 539 ዶላር – ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ዝነብሩ ዜጋታት ዘዋጽእዎ ኮይኑ፡...

ከርከበት – ሓረስቶት ተጠቀምቲ ‘ሕርሻዊ ፕሮጀክት’ ክዀኑ ጻዕሪታት ይካየድ

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክት ሕርሻ ክኾኑ ብዝለዓለ ይድፋኣሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ሓላፊ ተክኒክ ሳዋን ከባቢኡን ምክትል ተለንተ ገብረቃል ኣረንያስ ገሊጹ። ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ብፍላይ...

ኣብ መሰላት ቈልዑ ዘተኰረ ኣኼባ ተኻዪዱ

ንመሰላት ቈልዑ፡ ምውጋድ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብን ዝምልከት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 2030 ክብጻሕ ዘለዎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማር፡ ውህደት ዝምልከተን ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ወሳኒ ምዃኑ፡ ብ25 ጥሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ...

Login

Categories