ነበርቲ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክት ሕርሻ ክኾኑ ብዝለዓለ ይድፋኣሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ሓላፊ ተክኒክ ሳዋን ከባቢኡን ምክትል ተለንተ ገብረቃል ኣረንያስ ገሊጹ።

ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ብፍላይ ካብ 2017 ቀንዲ ኣድህቦኡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ተጠቀምቲ ናይ’ቲ መደብ ክኾኑ ብዕቱብ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝሓበረ ምኽትል ተለንተ ገብረቃል፡ ድሮ ተቐማጦ ንኡስ ዞባታት ከርከበት፡ ሰልዓን ካልኦት ከባቢታትን ዝኾኑ 970 ዜጋታት፡ ነፍሲ-ወከፎም ፍርቂ ሄክታር መሬት ተዓዲሉ የልምዕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እቶም ዜጋታት፡ ብዘይካ’ቲ ዘድልዮም ናይ ማሽነሪ ኣገልግሎት፡ ምህርቶም ክሳብ ዝሓፍሱ እኹል ማይ ብመስኖ ከምዝዕደሎም፡ ዝበዝሐ ካብ’ቲ ዝተዘርአ ድማ ኣብ ምሕዛል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ እቶም ድሒሮም ዝጀመሩ’ውን እንተኾነ ዘራእቶም ትስፉው ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ከርከበት፡ በቲ ፕሮጀክት – ዕፉን፡ ስርናይ፡ ጡጥ፡ ቃንጫ ሽኮር፡ ኣትክልቲ ማንጉስን ካልእ ናይ ቅብኢ ኣዝርእትን ይለምዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ፡ ነበርቲ ቀዳሞት ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክታት ክኾኑ ብዝተወስደ ውሳነ፡ ሰበኽ-ሳግማዊ ሂወት ዝጸንሖም ዜጋታት፡ ድሮ ልምዲ ሕርሻን ቀዋሚ መነባብሮን ከስተማቕሩ ከምዝጀመሩን እወታዊ ጽልዋኦም እናሰፍሐ ምምጽኡን ሓቢሩ።

Categories