ካብ ነበርቲ ከተማ ድባርዋ – እቶም 75 ሚእታዊት፡ ተጠቀምቲ ናብ ኣባይቶም ዝተዘርግሐ መስመር ማይ (ቡምባ) ከምዝኾኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ማይ ናይ’ታ ከተማ ኣቶ ታደሰ በራኺ ገሊጹ።

ከተማ ድባርዋ፡ ሓንቲ ካብ’ተን እኹል ምንጪ ማይ ዘለወን ከተማታትና ምዃና ዝሓበረ ኣቶ ታደሰ፡ ኣብ 2002 ብትሑት ደረጃ ዝጀመረ ዝርጋሐ ኣገልግሎት ማይ፡ ኣብ 2005 መንግስቲ ብዘተግበሮ ዓቢ ፕሮጀክት ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ልዕሊ 1600 ቈጸርቲ ዝተዓደሉ ዓማዊል ከምዘለዉ፡ ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከባቢ ድማ መዓልታዊ 7500 ፊስቶ ከምዝሃልኽ ዝጠቐሰ ኣቶ ታደሰ፡ ኣከፋፍላ ድማ ንሓደ ሜትሮ ኲቦ 6.00 ናቕፋ፡ እዚ ማለት – ንሓንቲ ፊስቶ ብሕሳብ ሓደ ቅርሽን 20 ሳንቲምን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ከምዝህቡ ዝገለጸ – ክኢላ ጨንፈር ማይ መንእሰይ ተኸስተ ሃብተ ብወገኑ፡ ኣብ ዝኾነ መስመር ምብልሻው ምስ ዘጋጥም ቅልጡፍ ጽገና ስለዝገብሩ፡ ንብላሽ ዝጠፍእ ማይ ከምዘየለ ኣብሪሁ።

ነበርቲ፡ ሳላ’ቲ መንግስቲ ዝገበሮ ገዚፍ ወፍሪ ናይ ማይ ጸገም ከምዘይብሎም ብምሕባር፡ ኣብ ቀጽሪ ኣባይቲ ዝለምዕ ዘሎ ፍረታትን ኣሕምልትን ናይ’ዚ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊጾም።

Categories