ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ፖሊስን ኢሚግረሽንን ንዝሰርሓ 400 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሕጊ ዘለወን ኣፍልጦ ንምዕባይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ብቦርድ ሚኒስትሪታት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ክኢላ ሕጊ ኣቶ ሳሙኤል ገብረብርሃን፡ ሕጊ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ናይ ኩሉ ምዃኑ፡ ሕጊ ዘይምፍላጥ ድማ ሳዕቤናቱ ቀሊል ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ንሃገራዊ ሕግታትን ሕጋጋትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ድሕሪ’ቲ ትምህርቲ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃበኦ ርእይቶ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ኣትዩ ቀጻልነት ክህልዎን በብደረጃኡ ክብርኽን ተላብየን።

ኣደ-መንበር ቦርድ ሚኒስትሪታት ሃማደኤ ወ/ሮ ኣለም በርሀ፡ ተመሳሳሊ ኣስተምህሮታት ንምውዳብ ክስረሓሉ ምዃኑ ገሊጻ።

Categories