ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ- ኣንስትዮ ኣካላውን ስነ¬-ኣእምሮኣውን ሳዕቤናት ዘለዎም ሃሰይቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድን፡ ጽሬት ከባቢ ኣብ ምውሓስን፡ ኣድማዒ ንጥፈታት ከም እተሰላሰለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ዞባ ገሊጹ።

ብ25ን 26ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን፡ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ናጻ ካብ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ምእዋጀን፡ ብዞባ ደረጃ ድማ 157 ዓድታት ተጠቀምቲ ዓይኒ-ምድሪ ክኾና ምብቅዐን፡ ካብ’ቶም ኣብ 2017 ምስ መሻርኽቲ ዝተዓሙ ዓበይቲ መደባት ጥዕና ምዃኖም ሓቢሩ።

ሕማም ዓሶ ንምግታእን ንምቁጽጻርን ብዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ተርእዮ ናይ’ቲ ሕማም ኣብ 2017 ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ32 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ክትትል ቅድሚ ሕርሲ ካብ 54 ሚእታዊት ናብ 58 ሚእታዊት ከምዝደየበ. . . ክታበትን ወሊድን ኣብ ትካላት ጥዕና ግን፡ ገና ሓያል ጻዕሪ የድልዮ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ እናኸድካ ጥዕና ተመሃሮ ምክትታልን ምሕላውን ክድፋኣሉ፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ዘይብለን ትካላት ጥዕና ክስራሓለን፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን ዘሎ ሕጽረት መሳርሒን ሞያውያንን ፍታሕ ክናደየሉ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ክጽቀጠሉ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚንስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ጐድነኣዊ ሳዕቤናት መድሃኒት ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ፡ ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ንምግታእ ዝሰላሰል መደባት ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ሰብ-ሞያ ክሕይል ኣተሓሳሲባ።

Categories