ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኢንገል፡ መካዕኒለ፡ በካዕን በዴዳን – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ንዝነጥፋ ተራድኦታት ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ እቶታውነት ንምሕያል ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ወዲቡ።

እቲ ካብ 16 ክሳብ 22 ጥሪ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንነባራት ተራድኦታት ዳግም ብምውዳብን ሓደስቲ ተራድኦታት ብምቛምን እቶታውነት ምህርቲ ዓሳ ብዓይነትን ብዝሒን ክብ ንምባል ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ – ሓላፊ ጨንፈር ምክትታል ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣቶ መሓመድ ዳሊ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተዳኺመን ዝጸንሓ ተራድኦታት ዳግም ምብርባርን ብውልቂ ክነጥፉ ንዝጸንሑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ተራድኦታት ምሕቋፍን፡ ኣብ እቶትን እቶታውነትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ንጥፈታት ባሕሪ ዝሳተፋ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ብማሕበር ክጥርነፋ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሳምሶን ዘካርያስ ብወገኑ፡ እቲ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዓቕሚታትን ሕጽረታትን ናይቶም ገፈፍቲ ዓሳ ንምፍላጥ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ዘድልዮም ጠለባት ኣብ ምምላእ’ውን እወታዊ ተራ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፉ ገፈፍቲ ዓሳ ዘቕርብዎ ዘለዉ ምህርቲ፡ ምስ ብዝሖም ከም ዘይመጣጠን ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ኣሕመድ ቡካልያ፡ ብማሕበር ምጥርናፍ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምዕባይ ምህርቲ ዝህልዎ ተራ፡ ማሕበረ- ቊጠባዊ መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ እውን ዓቢ ዕድል ዝፈጥር ስለዝኾነ፡ እቲ ኣስተምህሮ ቀጻልነት ክህልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ብምርግጋጽ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከብ ‘ማርሳ መራገፊ ዓሳ’ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ስርሑ ክጅምር ተላብዮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ኣብ ዓሰርተ ማሕበራት ተራድኦ ዝተጠርነፉ ልዕሊ 3000 ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣለዉ።

Categories