ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና – ኣብ ምርግጋጽ ሸቶታት ምዕባለ ዘተባብዕ ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ብ29ን 30ን ጥሪ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዝርጋሐ ትካላት ጥዕናን ኣቕርቦት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ተገይሩ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ምቊጽጻርን ምግታእን ሕማማትን ምውሓስ ጥዕና ዜጋታትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ናይ’ቲ ጨንፈር፡ ንዝለዓለ ውጽኢት እቲ ጻዕሪታት ቀጻሊ ምዃኑ ይሕብር።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ዞባ ዶ/ር ዮውሃንስ ተኸስተ፡ ኣብ ህዝቢ ዝካየድ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን – ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ተራኡ ውጽኢታዊ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ስራሕ ምምዕዳው ኣቓልቦ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ ህንጸት ዝጸንሐት ትካል ጥዕና ዒላ- ባቡ – ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ኣብ ምዝዛም ከምዝበጸሐት ዝሓበረ ዶክተር ዮውሃንስ፡ ንንኡሳን ዞባታት ባዳን ናቕፋን ሓደስቲ ኣምቡላንሳት ከምእተዓደላ፡ ዋሕዲ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ እውን በብእዋኑ ይማላእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኩሉ መዳያት ጥዕና ዝተመዝገበ ዓወታት – ሳላ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብን መሻርኽትን ምዃኑ ጠቒሳ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ብዝሓየለ ክድፋኣሉ፡ ምህናጽ ትሕተ- ቅርጺ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ምምላእ ናውቲን መድሃኒትን ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ ምዃኑ ሓቢራ። ሰብ ሞያ ጥዕና ውፉይ ጻዕሮም ከዕዝዙ ድማ ተላብያ።

Categories