ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዝግበር ወፍሪ፡ መሰረት ዕብየትን ውሑስ መጻእን ስለዝኾነ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ዲን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣቶ ሰመረ ኣምለሶም ገሊጹ።

“ቁጠባውን ሕርሻውን ምዕባለ፡ ኣብ ብቑዕ ፍልጠት ዝቐሰመ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ እዩ ዝምርኰስ” ዝበለ ኣቶ ሰመረ፡ ጽላት ሕርሻ ብዓይነትን መጠንን ኣማዕቢልካ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኮለጅ ሕርሻ ዓቢ ኣቓልቦ ሂቡ ዝነጥፈሉ ዘሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ኮለጅ፡ ኪኖ’ቲ ናይ ዲፕሎማን ዲግሪን ፕሮግራማቱ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2012/2013 ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ብምኽፋት ዝሰፍሐ ናይ ትምህርቲ ባይታ ብምጥጣሕ የምህር ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ሰመረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሓሙሽተ ዓውድታት – ማለት ሃብቲ እንስሳ፡ ስነ- ዘራእቲ፡ ሃብቲ መሬትን ኣከባብን፡ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ብቚሊ 11 ተመሃሮ የምህር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 43 ተመሃሮ ብናይ ማስተርስ ማዕርግ ከም እተመረቑ፡ ብወጻእተኛታት መማህራን ተባሒቱ ዝጸንሐ ቦታታት፡ ብደቂ ሃገር ናይ ምትካእ መደብ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቲ ኮለጅ፡ ሕርሻዊ ምርምር ምስ ዘካይዳ ኣብ ከባቢናን ዓለምን ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ኮለጃት፡ ከምኡ’ውን ናይ ልምዓትን ምርምርን ማእከላት ዝምድናኡ ንምሕያል ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ምስ ናይ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ህንድን ጃፓንን ብምትሕብባር፡ ናይ ዶክትረይት ትምህርቲ ይወሃብ ምህላዉ እውን ኣብሪሁ።

Categories