መንእሰያት ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ታሪኾምን ክብርታት ሕብረተ-ሰቦምን ብግቡእ ወሪሶም፡ ብሩህ መጻኢኦም ንምውሓስ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክስጉሙን ፍልጠቶም ከበርኹን፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ኣዘኻኺሩ።

ብ25 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ “ኣብ መንእሰያት ዝግበር ወፍሪ፡ ንጽባሕ ዝግበር ወፍሪ እዩ” ዝበለ ኣቶ ሃይለ፡ እቲ ውዳበ ሸቶታቱ ክወቅዕ፡ ውህደትን ደገፍን ናይ ኩሎም ኣካላት ብሓፈሻ፡ ናይ ህግደፍ ድማ ብፍላይ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ጨንፈር መንእሰይ ኣታኽልቲ ንጉሰ፡ ኣብ 2017 ኣብ ውድባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጥዕናዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ትምህርታውን ስፖርታውን መዳያት ናይ ዝተዓዩ መደባት ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ፡ ምሕያል ውዳበ ሰራሕተኛታት፡ ምዝርጋሕ መጎሳጐሲ ጽሑፋት፡ ምልጋስ ደም፡ ዑደት ኣብ ታሪኻውን ልምዓታውን ቦታታት. . . ካብ መደባት 2018 ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ኣቶ ዑቕባይ በርሀ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ተዳኺሙ ዝጸንሐ ውዳበ ሰራሕተኛታት ከተማ ባጽዕ፡ ሎሚ ኣተባባዒ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ዝያዳ ንምሕያሉ ውህደት መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጸዊዑ።

Categories