ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፡ 62 ሽሕን 316 ዶላር ከም እተወፈየ፡ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ካብ’ቲ ዝተበርከተ ገንዘብ፡ እቲ 36 ሽሕን 539 ዶላር – ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ዝነብሩ ዜጋታት ዘዋጽእዎ ኮይኑ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ ኦሮብሩ፡ ስካራን ሞታላን፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣልምሁልት፡ ጉጅለ ሕድሪ ሰማእታት ኡፕሳላ፡ መኸተ ዮንሾፒንን ኣነቢን፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ዶንሺ ኖርወይን ካልኦት ውልቀ ዜጋታትን እዮም።

እቲ 25 ሽሕን 776 ዶላር ድማ፡ ኮሚተ ምሕብሓብ ስድራ ሰማእታት ቶሮንቶ፡ ኣለይቲ ስድራ ሰማእታት ኤድመንተን፡ ሽማግለ በዓላት ከተማ ዊኒፔግ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ምስ ኣባላት ህግደፍ ነበርቲ ከተማታት ኪሽነር፡ ዋተርሉን ጋልፍን፡ ከምኡ’ውን ሽማግለ በዓላት ከተማ ለንደን – ካናዳን ካልኦት ውልቀ ዜጋታትን ዘበርከትዎ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን ልዕሊ 7 ሚልዮን ናቕፋ ብመልክዕ ደበስን ሓገዝን ከም እተዋህበ ተፈሊጡ።

ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ መድሃኒት ግርማይ፡ እቲ ሓገዝ ን2493 ስድራ ስዉኣት ደበስ፡ ን43 ጽጉማት ስድራ-ቤታትን ዘኽታማት ቈልዑን ንመትከል እግሪ ዝውዕል ጥረ ገንዘብን ጥሪትን፡ ንጽጉማት ተመሃሮ ድማ ንመግዝኢ ናውቲ ትምህርትን ድቪዛን ከም እተዋህበ ሓቢራ።

Categories