ንመሰላት ቈልዑ፡ ምውጋድ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብን ዝምልከት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 2030 ክብጻሕ ዘለዎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማር፡ ውህደት ዝምልከተን ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ወሳኒ ምዃኑ፡ ብ25 ጥሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ቅድሚ ሕጂ ብተናጸል ክካየድ ንዝጸንሐ መደባት ንምውህሃድን ንምድንፋዕን፡ ምስ ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ብምርድዳእ ዝቘማ ናይ ሓባር ኮሚተታት፡ ንትግባረ ስራሕ ተበጊሰን ከም ዘለዋ ሓቢራ።

ኤርትራ፡ ከም ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ንዓወት ናይ’ቲ ብደረጃ ዓለም ዝስራሓሉ ዘሎ ሸቶታት ነባሪ ምዕባለ ብዝለዓለ ትዋሳእ ከም ዘላ፡ ከም ኣካል ናይ’ዚ ድማ፡ 67 ንኡስ ዞባታትን 701 ምምሕዳራት ከባቢን ንጹር ብጽሒት ስርሐን ተነዲፉ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተነጺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ረሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ብደረጃ ሃገር ተኣሚሙ ክስረሓሉ ተነዲፉ ዘሎ ውሁድ ውጥን ስራሕ፡ ብደረጃ ዞባ ክውን ንምግባሩ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ማሕበራት፡ ኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባታትን ካልኦት መሻርኽትን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories