Author - Staff

“ተርእዮ ሕማማት ንምግታእ ውጽኢታዊ ስራሕ ተተግቢሩ”ሚኒስተር ጥዕና

ብደረጃ ሃገር ኣብ መዳይ ጥዕና ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘላቕነት ንኽህልዎም፡ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ፡ ሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ጸዊዓ። ኣብ’ቲ ብ1ን 2ን ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ...

ሓመልማሎ – ጽርግያ ድገ-ምራድ ብኮማዊ ወፈራ ተጸጊኑ

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፈርሔን – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ካብ ድገ-ምራድ ናብ ዓዶም ዘእቱ 8 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም፡ ንኣገልግሎት ድሉው ገይሮም። በቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ፡ ነበርቲ ዓድታት ድገ-ምራድ፡ በስግዲራ፡ ፈርሔንን ጀንገርድባን፡...

ጊንዳዕ – ዕዉት መደባት ልምዓት ተሰላሲሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰለ ልምዓታዊ መደባት፡ ብውህደት ህዝብን ዝምልከተን ኣካላትን ዕዉት ምንባሩ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ፡ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣባላት ባይቶን ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ሚኒስትሪታትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ...

ሸለልትነትን ኣልኮላዊ መስተን ቀንዲ ጠንቅታት ሓደጋታት ትራፊክ

ሸለልትነት ተጠቀምቲ ጽርግያን ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕን፡ እቶም ጕሉሓት ጠንቅታት ሓደጋ ትራፊክ ምዃኖም፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ዜጋታት ገሊጾም። ወሃብቲ ርእይቶ፡ ክቱር ናህሪ፡ ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብ ምምራሕ መኪና ዘይምግባር፡ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባርን ጽርግያ...

ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ-ሓሙስ ኣገልግሎቱ የስፍሕ

መሰረታዊ ጽገና ትሕተ-ቅርጺ ዝተኻየደሉን ዘድሊ መሳርሒታትን ሞያውያንን ዝተማልኣሉን ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ሓሙስ፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ንክንክን ጥዕና ኣደን ህጻንን ዓቢ ቈላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶክተር ክፍለየሱስ ተድላ ገሊጹ። ኣብ’ቲ...

ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 4 ሚልዮን ጥሪት ተኸቲበን

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ 2017 ብደረጃ ሃገር ብዘካየዶ ሰፊሕ ናይ ክታበት መደብ፡ ልዕሊ 4 ሚልዮን ጥሪት ከም እተኸትባ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ጨንፈር ጥዕና እንስሳን ብቚልን ኣቶ ኣፈወርቂ ምሕረትኣብ፡ እቲ ክታበት ንኹለን ዓይነት ጥሪት ዝተዋህበ ምዃኑ...

ጋሽ-ባርካ – ን’ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ’ ዝምልከት ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ

ካብ 2008 ኣትሒዙ፡ ኣብ ዓበይትን ነኣሽቱን ዲጋታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምፍራይ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ብምግምጋም፡ ኣድማዕነቱን ተጠቃምነቱን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ ብ30 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ...

ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 30 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ

ብቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን – ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 15 ክሳብ 29 ጥሪ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ። ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ –...

Login

Categories