ብደረጃ ሃገር ኣብ መዳይ ጥዕና ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘላቕነት ንኽህልዎም፡ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ፡ ሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ጸዊዓ።

ኣብ’ቲ ብ1ን 2ን ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተርእዮ ሕማማት ንምግታእ ብሓፈሻ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፡ ዓሶን ቲቢን ከኣ ብፍላይ ንምቊጽጻር፡ ከምኡ’ውን መጠን ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድ ዝተዓሙ መደባት፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝሃቡ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ነዚ ውጽኢት’ዚ ንምውሓስን ንምምሕያሽን ዝያዳ ዕዮ ከምዝሓትት ኣገንዚባ።

ዝርጋሐ ትካላት ጥዕና ብዓይነትን ብቕዓትን፡ ከምኡ’ውን ኣቕርቦት መድሃኒትን ዓቕሚ-ሰብን ከምዝሰፍሕን ከምዝዓብን ንምግባር ዝተሰላሰለ ንጥፈታት እውን ውጽኢታዊ ምንባሩ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ብቕዓት ኣገልግሎታት ጥዕና ብሓፈሻ ንምዕባይ፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ስራሕ ወጺኡ ብግብሪ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ኣቶ የማነ ሃይለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሳላ ዝተዋሃሃደ ጻዕሪ ትካላት ጥዕናን ሕብረተሰብን፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ምስ ናይ 2016 ክነጻጸር እንከሎ ብ55 ሚእታዊት ከምዝጐደለ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከምዝወረደ ሓቢሩ።

ኣቶ የማነ፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓለፉ ሕማማት ከምኡ’ውን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቓልቦ ዘድልዮም ዘለዉ ምዃኖም ብምሕባር፡ ንቑሕ ኮማዊ ተሳትፎ ክዓዝዝ ተላብዩ።

Categories