ብቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን – ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 15 ክሳብ 29 ጥሪ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።

ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ – “ምዕዋት ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና፡ ዘላቒ መገዲ ንእወታዊ ለውጢ ኣብ ኣፍሪቃ” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደን፡ ብደረጃ ቀወምቲ ወከልቲ፡ ሚኒስተራት ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣገደስቲ ጉዳያት ዝልዓለን ኣኼባታት፡ ንመርገጺን ኣረኣእያን መንግስቲ ኤርትራ ዘነጽሩ መደረታት ኣስሚዑ።

ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኣብ ዘቕረቦ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ኤርትራ፡ ንትግባረ ኣፍሪቃዊ ቻርተር ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ጸብጻብ ከምዘቕረበት ክሕብር እንከሎ፡ ልኡኽ ኤርትራ – ምሕላውን ምርግጋጽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ካብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ስለዝኾነ፡ ምስ’ቲ ኮሚሽን ፈሊሙ ዘሎ ሃናጺ ጽምዶ ንምሕያል ድልውነት ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪቃ ብፍላይ እቶም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ – ናይ ደገ ምትእትታው ካብ ዘቃልዕ ጽግዕተኛነት ፋይናንሳዊ ሓገዛት ተናጊፎም፡ ብዓመታዊ ውጽኢት ኣባል ሃገራት ክካየዱ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ሓባራዊ ዕዳጋ መጓዓዝያ ኣየር ኣፍሪቃ ምቛም፡ ናይ ኣፍሪቃ ክፍለ- ዓለማዊ ዞባ ናጻ ዕዳጋ ምምስራት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝግበር ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ናጻ ምግባር፡ ንክልተ ዓመት ዘገልግላ 10 ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ናይ’ቲ ሕብረት ምምራጽ፡ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ክካየድ ዝብሉን ካልኦትን ውሳነታት ሓሊፉ።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ንሓደ ዓመት ኣቦ-መንበርነት ናይ’ቲ ሕብረት ክቕበል እንከሎ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ድማ፡ ኣብ 2019 ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ሕብረት ክኸውን ተመሪጹ።

ልኡኽ ኤርትራ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ጉባኤ፡ ምስ ወከልቲ ሃገራት ብምርኻብ፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያትን ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዘትዩ።

ኣብ ካልእ ንጥፈት ዲፕሎማሲ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድ ዑመር፡ ብ26 ጥሪ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣቡዛቢን ከባቢኣን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ዑስማን፡ ተራ ናይቶም ዜጋታት ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምሕያል መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሃማደኤ ኣብ ሳን-ሆዜ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ውዳበኡ ንምስፋሕ ዝዓለመ መደብ ከምዘሰላሰለ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories