ካብ 2008 ኣትሒዙ፡ ኣብ ዓበይትን ነኣሽቱን ዲጋታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምፍራይ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ብምግምጋም፡ ኣድማዕነቱን ተጠቃምነቱን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ ብ30 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ ምፍራይን ምግፋፍን ዓሳታት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ምስ ምህናጽ ዲጋታት ተተሓሒዙ ብንኡስ መጠን ክስራሓሉ ምጽንሑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግዳ ኣብ’ቲ ዞባ ተኸዚኑ ንዘሎ ጸጋታት ማይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጠለባት መግቢ ዓሳ ነበርቲ ንምምላእ ዓቢ ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ልዑል ጠመተ ክወሃቦ ተላብዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ መኮነን ግርማይ እውን፡ ኣብ’ተን ኣስታት 300 ሚልዮን ሜተር ኩቦ ማይ ከዚነን ዘለዋ ዲጋታት፡ ምሩጻት ዓሳታት ናይ ምርባሕ ስረሓት ከምዘካየዱን ጽቡቕ ሰሲኖም ከምዘለዉን ገሊጹ።

ዛጊት ኣብ ዲጋታት ገርሰት፡ ፋንኮ- ራዊ፡ ፋንኮ-ጽሙእ፡ ባደሚት፡ ከርከበትን መገልን ምሩጻት ዓሌት ዓሳታት ጥዑም ማይ ከምዝዘርኡ ዝሓበረ ኣቶ መኮነን፡ ብተፈጥሮ ዝተፋረዩ ዓሳታት እውን ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ካብ 2009 ክሳብ 2017 ኣብ ሰለስተ ዲጋታት ብዝተገብረ ፈተነ፡ ብድምር 1,800 ኪሎ-ግራም ከምእተገፈ ብምሕባር ድማ፡ እቲ ‘ቅምሶ’ – ክርከብ ንዝኽእል ርቡሕ ምህርቲ ዓሳ ንምግማት ከምዝሓገዘ ገሊጹ።

ክኢላታት ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ፡ ንልምዓት ዓሳታት ጥዑም ማይ ኣብ ኤርትራን ኣገዳስነቱን፡ ከምኡ’ውን ንምሕደራ ጸጋታት ዓሳታት ዝምልከት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣቕሪቦም።

ብመሰረት’ቲ ወረቓቕቲ፡ መደብ ምስፋሕን ምፍራይን ዓሳታት ጥዑም ማይ፡ ምስ’ቲ ብደረጃ ሃገር ዝስራሓሉ ዘሎ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምሕያል ዝኑቕ መኣዛታትን ተኣሳሲሩ ከምዝኸይድ በሪሁ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ’ተን ዲጋታት ዝነብር ህዝቢ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘካይዶ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝሳተፈሉ ሜላታት ንምትእታትው እውን ይስራሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ንዘሎ ተኽእሎ ምፍራይን ምግፋፍን ዓሳታት ብግቡእ ንምምዝማዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ክኢላታቱ ወዲቡ፡ ብፍላይ ኣብ’ተን ዓበይቲ ዲጋታት ዝቐንዐ ጠመተ ከሕይል ጸዊዑ።

Categories