ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ 2017 ብደረጃ ሃገር ብዘካየዶ ሰፊሕ ናይ ክታበት መደብ፡ ልዕሊ 4 ሚልዮን ጥሪት ከም እተኸትባ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ጨንፈር ጥዕና እንስሳን ብቚልን ኣቶ ኣፈወርቂ ምሕረትኣብ፡ እቲ ክታበት ንኹለን ዓይነት ጥሪት ዝተዋህበ ምዃኑ ብምሕባር፡ ን1.5 ሚልዮን ጥሪት ጸረ ሕማም ጉልሓይ፡ 2.1 ሚልዮን ግዱድ ሓፈሻዊ ክታበት፡ 278 ሽሕ ኣካቢብካ ክታበት፡ ን266 ሽሕ ደርሁ ድማ ምዱብ ክታበት ምንባሩ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዓመት፡ ፍሮማይ ከብቲ፡ ኣናሶን ፍሮማይ ጠለ-በጊዕን ዝርከብዎም 95 ደጋዊ፡ ውሽጣውን ደማውን ሕማማት ከም እተራእዩ፡ ብዝተኻየደ ሰፊሕ ክታበት ድማ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ኣቶ ኣፈወርቂ፡ መጠን ሞት ኣብተን ብሕማማት ዝተለኽፋ 670 ሽሕ ጥሪት፡ 1.5 ሚእታዊት ከምዝነበረ ገሊጹ።

ከም ብሩሴላን ቲቢን ዝኣመሰሉ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሕማማት፡ ከም ተርእዮ ኣብ ሃገርና ኣሰከፍቲ’ኳ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት ምውሓስ ጥዕና ጥሪት ግና ፍሉይ ኣተኲሮ ከምዝወሃቦም ኣረዲኡ።

ክታበት ጥሪት፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ጽቡቕ ዝርጋሐ ከምዘለዎ – ግዳ ዘጋጥሙ ብድሆታት እውን ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ምስጋም ጥሪት፡ ትሑት ንቕሓትን ኣፍልጦን ሓረስቶት፡ ኣብ ዝተባህለካ ቦታን ግዜን ጥሪትካ ሒዝካ ዘይምርካብ፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 70 ክሊኒካት እንስሳታት ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣቶ ኣፈወርቂ፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ምህላወን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገር ዝኣትዉ መድሃኒት እንስሳታት፡ ሳዕቤናቶም ኣብ ጥሪትን ኣከባብን ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ስለዝኾነ፡ ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ምንጮምን ናይ ተጠቃምነት ዕለቶምን ዘይፍለጥ መድሃኒታት ዝጥቀሙ፡ ናብ’ተን ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝካየዳ ክሊኒካት ብምኻድ ንጥሪቶም ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣተሓሳሲቡ።

Categories