ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰለ ልምዓታዊ መደባት፡ ብውህደት ህዝብን ዝምልከተን ኣካላትን ዕዉት ምንባሩ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ፡ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣባላት ባይቶን ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ሚኒስትሪታትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣቶ ዑመር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ምስራሕን ምጽጋንን ከዘንቲ ማይ፡ ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣት፡ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶን ካልኦትን፡ ካብ’ቶም ቀዳምነት ተዋሂቦም ዝተሰርሓሎም ምዃኖም ብምሕባር፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ኣረዲኡ።

ኣብ 2018 እቲ መደባት ብሰፊሑ ክቕጽል ምዃኑ ብምሕባር፡ ምስፋሕ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ምዝዛም ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሖጺትን ዓንደልን ዝስራሓ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ምውሓስ ኣገልግሎታት ማይን ኤለክትሪክን ከተማ ጊንዳዕ፡ ምስራሕ ትሕተ-ባይቲዊ ከዘንቲ ማይ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማይ-ሓባር፡ ነፋሲት፡ ሖጺትን ደንጎሎ ላዕላይን ዘጠቓልሉ መደባት፡ ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ ንምትግባሮም ብመደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ እዮብ ተስፋሚካኤል እውን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ውጽኢት ኣብ ምዕቃብን ቀጻልነቱ ኣብ ምውሓስን፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ነበርትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ መስመር ማይ ደንጎሎ-ላዕላይን ደማስን ኣቓልቦ ክግበረሉ፡ ኣብ ክሊ ሕሩም ሕዛእቲ ንዝርከቡ ነበርቲ ናይ መጋሃጫ ቦታ ክፍለየሎም፡ ካብን ናብን ጊንዳዕ – ኣስመራ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት ኩባንያ ሓራት ክውሰኻ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories