መሰረታዊ ጽገና ትሕተ-ቅርጺ ዝተኻየደሉን ዘድሊ መሳርሒታትን ሞያውያንን ዝተማልኣሉን ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ሓሙስ፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ንክንክን ጥዕና ኣደን ህጻንን ዓቢ ቈላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶክተር ክፍለየሱስ ተድላ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል፡ ኣገልግሎት ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ጥዕና ፍርያምነት፡ ክታበት ህጻናት፡ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ፡ ሕክምና ስኒን ካልእን ከምዝወሃብ ዝጠቐሰ ዶክተር ክፍለየሱስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ክፍሊ መብጣሕቲ ንነፍሰ-ጾራት እውን ተዋዲዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል ሓላፊት ክፍሊ መወልዳን ሲስተር ዙፋን ዘርኣብሩኽ ድማ፡ ቊጽሪ ናብ’ቲ ሆስፒታል እናተመላለሳ ምክትታል ናይ ዝገብራን ዝሓርሳን ኣዴታት፡ በብእዋኑ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ሓሙስ፡ ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዝነብሮን ንመጓዓዝያ ምቹእ ኣብ ዝኾነን ከባቢ ዝተደኰነ ብምዃኑ፡ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

23 ክፍልታትን ንኣገልግሎት መወለዳን ዝውዕል 30 ዓራውትን ዘለዎ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል፡ ብኣስታት 17 ሚልዮን ናቕፋ ድሕሪ ዝተገብረሉ ጽገና፡ ብ2 ታሕሳስ 2017 ተመሪቑ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

Categories