Author - Staff

ኤርትራ፡ ኣብ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብ21 መጋቢት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተቓነዐ 10ይ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ። እዚ ፍሉይ ዋዕላ፡ ባይቶ መራሕቲ ናይ’ቲ ሕብረት ኣብ ወርሒ...

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ኣብ መበል 103 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ

ካብ ጀመርቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ ናፍዕ፡ ትማሊ 31 መጋቢት ኣብ መበል 103 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ሞጎሎ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 1962 ናብ’ቲ ሽዑ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣቚጺሩ ዝነበረ ሰውራ...

ዓንሰባ – ኣብ ምቊጽጻር ሕማም ቲቢ ለውጢ ተመዝጊቡ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ንምብራኽ ብዝተኻየደ ጐስጓሳትን ትካላት ጥዕና መሰረታዊ መሳርሒታትን መድሃኒታትን ብምዕጣቐንን፡ ኣብ ምቊጽጻር ተርእዮ ሕማም ‘ቲቢ’ ዓቢ ገስጋስ ከምእተመዝገበ ተገሊጹ፣ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምቊጽጻር ሕማም...

ጋሽ-ባርካ – ውጽኢት ትምህርቲ ንምብራኽ ተዘትዩ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ- ዓንሰባ፡ ኣብ ምሕያል መስርሕ መምሃርን ምስትምሃርን ተዘትዩ፣ ኣብ መቐርካ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ጸሃየ ብርሃነ፡ ብወገን ተመሃሮን መማህራንን ዝረኣዩ ጸገማትን...

ገዲም ተጋዳላይ መለስ ስዩም ተሰዊኡ

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ሃገራዊ ላቦራቶሪ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ መለስ ስዩም፡ ብ29 መጋቢት 2018 ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ካብ 1973 ክሳብ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 1975 ክሳብ 1976 ድማ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት...

ኣብ ሕክምና ፊዝዮቴራፒን ኣገዳስነቱን ዝጸንሐ ኣፍልጦ ይብርኽ

ኣብ ሕክምና ፊዝዮቴራፒን ኣገዳስነቱን ዝጸንሐ ኣፍልጦ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ቊጽሪ ተጠቀምቲ ክብ ከምዝበለ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ማእከል ፊዝዮተራፒ ኣስመራ ኣቶ ብርሃነ ሓያሉ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ማእከል፡ መልመስቲ፡ ምጭብባጥ ጭዋዳታትን መስበርትን ዘጋጠሞም ሕሙማት ከምዝመጹ...

“ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ክንሰርሕ ኢና”ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ውዳበአን ብምሕያል፡ ንዓወት ሃገራዊ መደባት ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን። ውዳበታት ንኡሳን ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ ከተማታት ጀነቫ፡ ስዮን፡ ሳንጋለን፡ በርን፡ ፍሪቡርግ፡ ባዝል፡ ሉዛን፡ ኩር፡ ሞንተ፡ ስሉተርን፡...

ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ኤውሮጳ ይካየድ ኣሎ

ዓመታዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ኤውሮጳ፡ “እጃመይ ንማዕከን ሞያውን ቊጠባውን ጸጋ ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ29 መጋቢት ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን ተኸፊቱ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንእዋናዊ ምዕባለታት ሃገርናን...

ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል ኣግያስ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 መጋቢት ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ስያትል – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ዶክተር ንርኣዮ፡...

Login

Categories