ዓመታዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ኤውሮጳ፡ “እጃመይ ንማዕከን ሞያውን ቊጠባውን ጸጋ ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ29 መጋቢት ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን ተኸፊቱ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንእዋናዊ ምዕባለታት ሃገርናን ዞባናን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዓመተ 2017 ንኹሉ ዝነበረ ተጻብኦታት ነበርያ-ነበረ ዝገበረት ዓመት ምዃና ጠቒሱ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብእምነትን ዓቕልን ንዘካየድዎ ሓያል መኸተ ናብ ክውንነት ክቕይርዎ ከምዝበቕዑ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ ኣስዒቡ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንኤርትራን ህዝባን ዝጽበዩ ዘለዉ ዓበይቲ ሸቶታት፡ ቊጠባዊ ሓይሊ ምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ዞባና – ዞባ ሰላም፡ ምትሕብባርን ምርግጋእን ከምዝኸውን ምጽዓር ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 2 ሚያዝያ ዝቕጽል መበል 14 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ኤውሮጳ፡ ካብ ኤርትራ፡ ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ሆላንድ፡ ኢጣልያ፡ ስዊዘርላንድ፡ ቤልጁም፡ ብሪጣንያ፡ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ ልዕሊ 700 መንእሰያት ይሳተፉ ኣለዉ።

Categories