ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ሃገራዊ ላቦራቶሪ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ መለስ ስዩም፡ ብ29 መጋቢት 2018 ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ካብ 1973 ክሳብ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 1975 ክሳብ 1976 ድማ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ከም ሓፋሽ ውድባት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1976 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ መለስ ስዩም፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ከም ሓላፊ ማእከላይ ላቦራቶሪ ውድብ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከም ዳይረክተር ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብምዃን፡ ኣብ ምምዕባል ንጥፈታት ላቦራቶሪን ዓወት ሃገራዊ ቃልስን፡ ሞያውን ሃገራውን ግቡኣቱ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ መለስ ስዩም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 31 መጋቢት 2018 ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ- መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ መለስ ስዩም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories