ካብ ጀመርቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ ናፍዕ፡ ትማሊ 31 መጋቢት ኣብ መበል 103 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ሞጎሎ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 1962 ናብ’ቲ ሽዑ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣቚጺሩ ዝነበረ ሰውራ ኤርትራ ዝተጸንበረ ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ብዝነበሮ ብቕዓትን ተመኲሮን፡ ኣብ 1963 ኣዛዚ ጋንታ፡ ድሕሪኡ ድማ በብመድረኹ ክሳብ ደረጃ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዝበጽሐን ብኣብነት ዝመርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ካብ’ቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1963 ኣብ ቶጎሩባ ዝተኻየደ ቀዳማይ ወተሃደራዊ ግጥም ኣንጻር መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሒታትን ውግኣትን ብጅግንነት ዝተዋግአን ዘዋግአን ሓርበኛ ምንባሩ፡ ሰነዳት ታሪኽ ሂወቱ የነጽሩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ዓዱ ሰላማዊ ሂወቱ ክመርሕ ብመንግስቲ ዘድሊ ደገፍ’ኳ እንተተገብረሉ፡ ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ ግን፡ “ዕድመ ደፊአ’የ – ከዕርፍ” ከይበለ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ሞጎሎን ከባቢኡን ኣብ ምእላይን ምሕደራን ህዝቢ ያታውን ኣባታውን ኣበርክቶ ክገብር ዝጸንሐን ዕምሩ ምሉእ ንሃገራዊ ቃልሲ ዝወፈየን’ዩ።

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 11 ደቂን እዩ።

Categories