ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብ21 መጋቢት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተቓነዐ 10ይ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።

እዚ ፍሉይ ዋዕላ፡ ባይቶ መራሕቲ ናይ’ቲ ሕብረት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ብዘሕለፎ ውሳነ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዘትዩን ስምምዓት ኣጽዲቑን።

እቲ ቀዳማይ፡ ንመስርሕ ምቛም ክፍለ- ዓለማዊ ዞባ ናጻ ዕዳጋን ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ተጋባእቲ ነቲ ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተታት መደምደምታ ብምግባር፡ ክልተ ናይ ስምምዕ ሰነዳት ተዳልዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ክልቲኡ ሰነዳት ክታመን ከንብራ ድልውነተን ዘረጋገጻ ሃገራት ክፍርማሉ እንከለዋ፡ ነቲ ሰነዳት ብደቂቕ ንምጽናዕ ግዜ ዝሓተታ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ከኣ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክኽትማሉ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸንሐን ብ‘ውዕል ኮቶኑ’ ዝፍለጥ ሓድሕዳዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ – ኣብ 2020 ከብቅዕ ስለዝኾነ፡ ነዚ ስምምዕ’ዚ ንምኽላስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ካብ መጨረሽታ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝካየድ ዘተ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ‘ኣፍሪቃዊ ኮማዊ መርገጺ’ ሒዘን ንኽቐርባ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እንከሎ፡ ዋዕላ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ኣገደስቲ ውሳነታት ኣሕሊፉን ንኮሚሽን ናይ’ቲ ሕብረት ናይ ስራሕ መደባት ሂቡን።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ካልኣይ ዛዕባ፡ መርገጺን ርእይቶን መንግስቲ ኤርትራ ዘነጽር ቃል ኣስሚዑ።

Categories